ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ ደረጃ - ጀመርቲ/ Tigrinya Course Level Beginners


Price:
Sale price€300,00

Customer Reviews

Based on 5 reviews
100%
(5)
0%
(0)
0%
(0)
0%
(0)
0%
(0)
A
Almaz Ghida
Excellent

All the members of kebhna they are very supportive and teachers as well, the most important is son loves it. Also he is improving a lot.
Thank you.

M
Makda Gebreyesus

ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ ንጀመርቲ/ Tigrinya Course For Beginners

M
Mussie Bahregasi

ብጣዕሚ ጽቡቅ

S
Saliem
Saliem

የቀንየልና! ጽቡቕ ትምህርቲ፡ ደቐይ ምጽሓፍን ምንባብን ክኢሎም፡ ኣዝዮም ንፉዓት መምሃራን።

M
Mary Redda

ጓልና ምንባብ ምጽሓፍ ክኢላ፡ ጓልና ኸኣ ፈትያቶ፡ ኣዚ'ና ሕጉሳት ኢና፡ ንፉዓት መምሃራን ኢዮም።

Description

     ህንጻናት ደቕና ቋንቋ ትግርኛ መሊኾምን ክኢሎምን ንኽዓብዩ፡ ኣብ መጻኢ ሂወቶም ኣዝ'ዩ ኣገዳስነት ከም'ዘለዎ ንኹሉ ብሩህ እዩ፡፡ መጻኢ ደቅና ስለ'ዝኰኑ፡ ኩሉ እንገብሮ ወፍሪ ድማ ንደቕና ስለ'ዝኰነ ከምቲ “ቈልዓ '' ብንእሱ ቆርበት ''ብርሑሱ” ዝተባህለ። ደቕና ብንእስነቶም ቋንቁ'ኦምን ባህሎምን እናስተማቐሩ  ክዓብዩ።  እቲ ውሳነ ናትና ናይ ወለዲ ኢዩ’ሞ፡ ከብሕና ድማ ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ ንህጻናት ደቕና ዝከውን ብኣዝዮም ምኩራትን ክኢላታትን መምሃራን ቀሪባ፡ ሓዱሽ ዘመናዊን ኣገባብ ኣመሃህራ ከሺና ድግዲጊታ ተዓጢቓ  ጆባእ ትብለኩም ኣላ’ሞ።  ንቐደም ንብለኩም!

  ትምህርቲ ንቈልዑ ጥራይ ዘይኰነ ዋላ ዓበይቲ ውን ክምዝገቡን ክምሃሩን ይክእሉ እዮም። ቈልዑ ዕድመ ካብ 5 ዓመት ንላዕሊ እዮም ምሳና ዝምሃሩ። ንህቦ ኣገባብ ትምርቲ ብርሕቀት፡ ማለት ብኦንላይ እዩ፡  ካብ ምሉእ ዓለም ኣብ ገዝኦም ኰይኖም ክምሃሩ ይክእሉ እዮ።

መተሓሳሰቢ፤ ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ ደረጃ -ጀመርቲ 1ይን 2ይን ክፍል የጠቓልል፡ 1ይ ወይ 2ይ ክፍሊ ከተምህሩ ትደልዩ  ኣብ ትምሀርቲ ቋንቋ ትግርኛ  ደረጃ- ጀመርቲ ይምዝገቡ፡ ምስ ተመዝገቡ ኣብ ነናቶም ክፍሊ ተመዲቦም ዝምሃሩ እዮም ።

 

ውጥን ትምህርቲ 2026 

    ኣብ ዓመት ኣርባዕተ ግዜ ሓደስቲ ተማሃሮ ተቀቢልና፡ ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ ደረጃ - ጀመርቲ ትምህርቲ ንምህር። ኣብ'ዚ ታሕቲ ዘሎ ዕለት ብምርኣይ፡ ቅድሚ ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት፡  ድቕኩም  ወይ ባዕልኩም ቋንቋ ትግርኛ ክምትምሃሩን  ክትመልኩን  ከትምዝገቡ  ደስ ይብለና።

 

ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ ደረጃ- ጀመርቲ፣ ናይ ዓመት 2025፣ ዕለት 1/11/2025 ዝጅምር ትምህርቲ ኣለና፡ ክትምዝገቡ ደስ ይበላና። ምዝገባ ክፉት ኣሎ።

 

1ይ ዙር  ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት 01/01/2026
2ይ ዙር  ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት 01/04/2026
3ይ ዙር ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት 01/07/2026
4ይ ዙር ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት 01/10/2026

 

 

ትሕዝቶ ትምህርቲ

  •  ቋንቋ ትግርኛ ምዝራብ፡ ምስማዕ፡ ምጽሓፍ፡ ምንባብ 
  • ምስ ምስልታታን ቅርጽታትን ፊደላት ትግርኛ ብምልላይ
  • ምጽሓፍን ምንባብን ፊደላት ትግርኛ ከምዝመልኩ ምግባር
  • ባህልን ልምድን ሕብረተ-ሰቦም ብምልላይ ብስነ-ምግባር ተዀስኲሶም ከም ዝዓብዩ ምግባር።
  • ቁጽርታትን ግዜታትን ብቋንቋ ትግርኛ
  • ምቁጻርን ምጽሓፍን ቁጽርታት
  • ኣቈጻጽራ ስዓት ብቋንቋ ትግርኛ
  • መዓልታት  
  • ኣዋርሕ
  • ወቕትታት 
  • መሰረታዊ ስነ-ፍልጠት
    • ሓሙሽተ ናይ ስምዒት ህዋሳት
    • ሕብርታት
    • ክፍሊ ኣካላትን ጽሬትን
    • ኣብ ከባቢና ዝርከቡ ሂወታውያንን ዘይሂወታውያንን
    • ኣስማት እንስሳታት ዘቤትን  ዝገዳምን

 

  • መሰረታዊ ጅኦግራፍ
    • ክፍሊታት ዓለም ምስ ካርታ
    • ውቅያኖሳት ምስ ካርታ
    • ሃገራት ኣፍሪቃ
    • ሌላ ምስ ኤርትራ 

 

  • ዝርርብ ቋንቋ ትግርኛ
    •  ሰላምታ 
    • ዝርርብ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ( ድዃን፡ ሕክምና ወ፡ዘ፡ተ . . .)

 

ውጥን ትምህርቲ 

  • ንውሓት ግዜ ትምህርቲ 3 ወርሒ
  • መጽሓፍ መምሃሪ ብነጻ ይወሃቡ
  • ኣብ ሰሙን 2 መዓልቲ
  • ንመዓልቲ ሰዓትን ርብዕን 
  • ተወሳኪ ንጥፈታት ኣብ ትምህርቲ ዘይብሎም 


ክፍሊት 

ዋጋ 

  ንሓደ ተማሃራይ  Є100 ንወርሒ | ን3 ወርሒ Є300 

ሕሳብ ኣብ ምዝገባ ይኽፈል 

ምጉዳል ዋጋ ንስድራቤት
  • 2 ቈልዓ ተመዝግቡ - 1ይ ምሉእ ዋጋ ይከፍል ፡ 2ይ ቈልዓ ፍርቂ ዋጋ ይከፍል ) 
  • 3 ቈልዓ ተመዝግቡ - 2 ቈልዑ  ምሉእ ዋጋ ይከፍሉ 3ይ ቈልዓ ብነጻ
  • 4 ቈልዓ ተመዝግቡ - 2 ቈልዑ ምሉእ ይከፍሉ ፡ 3ይ ቈልዓ ፍርቂ ዋጋ ይከፍል፡ 4ይ ቈልዓ ብነጻ
ኣገዳሲ ሓበሬታ

 ትምህርቲ ዝተረፈ ተማሃራይ፡ ብነጻ ትምህርቲ ይደግም 

 

ከብሕና ብሉጽ ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ ንደቕኩም ቀሪቡ ስለዘሎ፡ ወለዲ ድማ ብግዴና ቋንቋና መሊኾም ንክዓብዩ ትምህርቲ ንሃቦም።

You may also like

Recently viewed