ህንጻናት ደቕና ቋንቋ ትግርኛ መሊኾምን ክኢሎምን ንኽዓብዩ፡ ኣብ መጻኢ ሂወቶም ኣዝ'ዩ ኣገዳስነት ከም'ዘለዎ ንኹሉ ብሩህ እዩ፡፡ መጻኢ ደቅና ስለ'ዝኰኑ፡ ኩሉ እንገብሮ ወፍሪ ድማ ንደቕና ስለ'ዝኰነ ከምቲ “ቈልዓ '' ብንእሱ ቆርበት ''ብርሑሱ” ዝተባህለ። ደቕና ብንእስነቶም ቋንቁ'ኦምን ባህሎምን እናስተማቐሩ ክዓብዩ። እቲ ውሳነ ናትና ናይ ወለዲ ኢዩ’ሞ፡ ከብሕና ድማ ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ ንህጻናት ደቕና ዝከውን ብኣዝዮም ምኩራትን ክኢላታትን መምሃራን ቀሪባ፡ ሓዱሽ ዘመናዊን ኣገባብ ኣመሃህራ ከሺና ድግዲጊታ ተዓጢቓ ጆባእ ትብለኩም ኣላ’ሞ። ንቐደም ንብለኩም!
ትምህርቲ ንቈልዑ ጥራይ ዘይኰነ ዋላ ዓበይቲ ውን ክምዝገቡን ክምሃሩን ይክእሉ እዮም። ቈልዑ ዕድመ ካብ 5 ዓመት ንላዕሊ እዮም ምሳና ዝምሃሩ። ንህቦ ኣገባብ ትምርቲ ብርሕቀት፡ ማለት ብኦንላይ እዩ፡ ካብ ምሉእ ዓለም ኣብ ገዝኦም ኰይኖም ክምሃሩ ይክእሉ እዮ።
ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት
ኣብ ዓመት ኣርባዕተ ግዜ ሓደስቲ ተማሃሮ ተቀቢልና፡ ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ ደረጃ - ጀመርቲ ትምህርቲ ንምህር። ኣብ'ዚ ታሕቲ ዘሎ ዕለት ብምርኣይ፡ ቅድሚ ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት፡ ድቕኩም ወይ ባዕልኩም ቋንቋ ትግርኛ ክምትምሃሩን ክትመልኩን ከትምዝገቡ ደስ ይብለና።
1ይ ዙር | ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት 01/01/2025 |
2ይ ዙር | ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት 01/04/2025 |
3ይ ዙር | ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት 01/07/2025 |
4ይ ዙር | ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት 01/10/2025 |
ትሕዝቶ ትምህርቲ
- ቋንቋ ትግርኛ ምዝራብ፡ ምስማዕ፡ ምጽሓፍ፡ ምንባብ
- ምስ ምስልታታን ቅርጽታትን ፊደላት ትግርኛ ብምልላይ
- ምጽሓፍን ምንባብን ፊደላት ትግርኛ ከምዝመልኩ ምግባር
- ባህልን ልምድን ሕብረተ-ሰቦም ብምልላይ ብስነ-ምግባር ተዀስኲሶም ከም ዝዓብዩ ምግባር።
- ቁጽርታትን ግዜታትን ብቋንቋ ትግርኛ
- ምቁጻርን ምጽሓፍን ቁጽርታት
- ኣቈጻጽራ ስዓት ብቋንቋ ትግርኛ
- መዓልታት
- ኣዋርሕ
- ወቕትታት
- መሰረታዊ ስነ-ፍልጠት
-
- ሓሙሽተ ናይ ስምዒት ህዋሳት
- ሕብርታት
- ክፍሊ ኣካላትን ጽሬትን
- ኣብ ከባቢና ዝርከቡ ሂወታውያንን ዘይሂወታውያንን
- ኣስማት እንስሳታት ዘቤትን ዝገዳምን
- መሰረታዊ ጅኦግራፍ
- ክፍሊታት ዓለም ምስ ካርታ
- ውቅያኖሳት ምስ ካርታ
- ሃገራት ኣፍሪቃ
- ሌላ ምስ ኤርትራ
- ዝርርብ ቋንቋ ትግርኛ
- ሰላምታ
- ዝርርብ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ( ድዃን፡ ሕክምና ወ፡ዘ፡ተ . . .)
ውጥን ትምህርቲ
- ንውሓት ግዜ ትምህርቲ 3 ወርሒ
- ኣብ ሰሙን 2 መዓልቲ
- ንመዓልቲ ሰዓትን ርብዕን
- ተወሳኪ ንጥፈታት ኣብ ትምህርቲ ዘይብሎም
ክፍሊት
ዋጋ |
ንሓደ ተማሃራይ Є100 ንወርሒ | ን3 ወርሒ Є300 |
ምጉዳል ዋጋ ንስድራቤት |
|
ኣገዳሲ ሓበሬታ |
ትምህርቲ ዝተረፈ ተማሃራይ፡ ብነጻ ትምህርቲ ይደግም |
ከብሕና ብሉጽ ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ ንደቕኩም ቀሪቡ ስለዘሎ፡ ወለዲ ድማ ብግዴና ቋንቋና መሊኾም ንክዓብዩ ትምህርቲ ንሃቦም።