ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ ደረጃ - ማእከላይ  ኣዝዩ ሰፊሕን  ምዕቡልን ትሕዝቶ ዘለዎ። ነዚ ደረጃ ትምህርቲ እዚ ምስ ንምሃሮ፡  ቋንቋ ትግርኛ ንክንዛረብ፡ ክንጽሕፍ ፡ ክንሰምዕ ከምኡ 'ውን ከነንብብ ጸገም ኣይኽህልወናን እዩ፡ ቋንቋ ትግርኛ ንማእከላይ ዘይተማህረ፥ ቋንቋ ትግርኛ ተማሂረ ወይ ይፈልጥ እየ ይከብ እዩ። እዛ ደረጃ ትምህርቲ እዚኣ ግድን ክንምሃራ ዘለና ትምህርቲ እያ።

   ትምህርቲ ብርሕቀት ማለት ብኦንላይን እዩ፡ ካብ ምሉእ ዓለም ኣብ ገዛና  ኰይንና ክንምሃር ንኽእል ኢና። ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ ክንፈልጥን ክንመልክን ምስ ንደለ ኣብ'ዚ ትምህርቲ ክትሳተፉ ደስ ይብለና።

መመዝገቢ፡ ኣብ ወብሳይትና ፎርም ብምምላእ ክትምዝገቡ ይክኣል እዩ። ምስ ተመዝገብኩም ክንረክበኩም ኢና።

 

ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት ውጥን 2025፣

  ኣብ ዓመት ኣርባዕተ ግዜ ሓደስቲ ተማሃሮ ተቀቢልና፡ ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ ደረጃ ማእከላይ ንምህር። ኣብ'ዚ ታሕቲ ዘሎ ዕለት ብምርኣይ፡ ቅድሚ ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት፡  ድቕኩም ወይ ባዕልኩም  ቋንቋ ትግርኛ ክትምሃሩን ክትመልኩን ከትምዝገቡ  ደስ ይብለና።

1ይ ዙር  ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት 01/01/2025
2ይ ዙር ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት 01/04/2025
3ይ ዙር ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት 01/07/2025
4ይ ዙር ትምህርቲ ዝጅምረሉ ዕለት 01/10/2025

 


ትሕዝቶ ትምህርቲ

  • መሰረታዊ ሰዋስው ትግርኛ
  • ሌላ ምስ ባህልን ሃገርን ብቋንቋ ትግርኛ 
  • ሌማ ምስ ዓለም ብቋንቋ ትግርኛ 
  • ቁጽርታት ብቋንቋ ትግርኛ 
  • ዓበይቲ ጽሑፋት ምንባብን ምጽሓፍን
  • ትርጉም ኣገደስቲ ቃላትን ምሉእ ሓሳባትን
  • ኣዘራርባ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብቋንቋ ትግርኛ 
  • ቅኑዕ ኣጸሓሕፋ ቋንቋ ትግርኛ ብሓጺርን ነዊሕን ወ፡ዘ፡ተ …

 


ውጥን ትምህርቲ

  • ንውሓት ትምህርቲ 3 ወርሒ
  • መዓልቲ ቀዳመ ስንበት 
  • ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ
  • ኣብ መዓልቲ ሰዓትን ርብዕን
  • ተወሳኪ ንጥፈታት፡ ኣብ ትምህርቲ ዘይብሎም መዓልቲ 


ክፍሊት 

ዋጋ 

  ንሓደ ተማሃራይ  100 ንወርሒ | ን3 ወርሒ 300 

ምጉዳል ዋጋ ንስድራቤት
  • 2 ቈልዓ ተመዝግቡ - 1ይ ምሉእ ዋጋ ይከፍል ፡ 2ይ ቈልዓ ፍርቂ ዋጋ ይከፍል ) 
  • 3 ቈልዓ ተመዝግቡ - 2 ቈልዑ  ምሉእ ዋጋ ይከፍሉ 3ይ ቈልዓ ብነጻ
  • 4 ቈልዓ ተመዝግቡ - 2 ቈልዑ ምሉእ ይከፍሉ ፡ 3ይ ቈልዓ ፍርቂ ዋጋ ይከፍል፡ 4ይ ቈልዓ ብነጻ
ኣገዳሲ ሓበሬታ

 ትምህርቲ ዝተረፈ ተማሃራይ፡ ብነጻ ትምህርቲ ይደግም 

 


መተሓሳሰቢ፤

ቅድሚ ምምዝጋብና፡ ደቕና ወይ ባዕልና ክንምዝገብ ከለና፡ ነዚ ደረጃ ትምህርቲ ብቅዓት ከምዘለና ከነረጋግጽ ኣለና፡ ዝዀነ ምክሪ ተደሊኹም፡ ክትረክቡና ብትሕትና ንሓትት።

ቅድሚ ሕጂ ምሳና ተማሂሮም ምስክር ወረቀት ዝሃብናዮም ተማሃሮና፡ ነዚ ጀረጃ ትምህርቲ ክምሃርዎ ብቕዓት ከምዘለዎም ከነረጋግጸልኹም ንፈቱ።

ደቕና ወይ ባዕልና ቋንቋ  ትግርኛ ክንምሃርን  ክንመልኽን  ዕድል ንሃብ።